መራሒ ሰራዊት ኦነግ ኩምሳ ዲሪባ (መሮ) 'ቃልስና ክንቅፅል ኢና' ኢሉ

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝርከብ ሰራዊት ግንባር ነፃነት ኦሮሚያ(ኦነግ) ዝመርሕ ኩምሳ ዲሪባ (መሮ) (ፀጋም)፤ ኣቦ ወንበር ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ዳውድ ኢብሳ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝርከብ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሚያ(ኦነግ) ዝመርሕ ኩምሳ ዲሪባ (መሮ) (ፀጋም)፤ ኣቦ ወንበር ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ዳውድ ኢብሳ (የማን)

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝርከብ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሚያ (ኦነግ) ዝመርሕ ኩምሳ ዲሪባ ወይ ድማ መሮ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከብ ክፋል ሰራዊት ኦነግ ዕጥቃዊ ቃልሱ ከምዝቕፅል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንመንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንምትዕራቕ ዝቖመ ኮሚቴ፡ ትማሊ ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ፡ መራሒ ኦነግ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ፡ ኦነግ ድሕሪ ሕዚ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ኣይክህልዎን ምባሎም ስዒቡ እዩ፡ ኩምሳ ዲሪባ (መሮ)፡ ነዚ ዝገለፀ።

ኩምሳ ዲሪባ፡ "ዝተለወጠ ነገር የለን" ብምባል፡ ዳውድ ኢብሳ ካብ ዝበሎ ብዝተፈለየ፡ ሰራዊት ኦነግ ዕጥቃዊ ቃልሱ ከምዝቕፅል እዩ ተዛሪቡ።

መሮ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፣ ፖሊስን ኣባላት ድሕንነትን፡ ንውድብ ዘለዎ ወገናውነት ደው ብምባል ምስ ህዝቢ ክሳብ ዘይወገኑ፡ ፃውዒት መንግስቲ ኣይንቕበልን ኢሉ።

ቅድሚ ሕዚ እውን መሮ "ንሕና ንውድብ ወጊኑ፡ ንህዝቢ ዝጎድእ ኣካል ምክልኻል ክንኸውን ኣይንደልን" ብምባል ዕጡቓት እቲ ግንባር ናብ ናይ መንግስቲ ፀጥታን ሰራዊትን ንምፅንባር ዝቐረበ ሓሳብ ነፂግዎ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ "ንግዝያዊ ረብሓ ተባሂሉ ብዘረባ ተሸፋፊኑ ዝሕለፍ ነገር ዘኽይድ ኣይኮነን። ፅባሕ ሓዊ ምእጓዱ ኣይክተርፍን። ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ዘናዲ ዘተታት ግን ንምዝርራብ ድሉው እየ" ኢሉ ኩምሳ ዲሪባ (መሮ)።

ንመንግስትን ኦነግን ንምትዕራቕ ተጣይሹ ዝነበረ ኮሚቴ እውን፡ ብረት ዓጢቖም ናብ በረኻ ወፅዮም ዝነበሩ ሰራዊት ኦነግ፡ ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ንክቕፅሉ ወይ ድማ ናብ ዝዳለወሎም ስልጠና ንክኣትዉ ክፅዕር ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ኮሚቴ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ኣቦ ወንበር ኦነግ ኣይተ ዳውድ ኢብሳን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ፡ ነዚ ፀብፃብ ኣቕሪቡ።

ኣታዓራቒ ኮሚቴ፡ መንግስቲ፣ ኦነግን ተወከልትን

እዚ ፀብፃብ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ኣቦ ወንበር ኦነግ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ፡ "ኦነግ ድሕሪ ሕዚ ብረት ዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ኣይክህልዎን፤ መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ዝወስዶ ስጉምቲ ክንድግፍ ኢና" ኢሎም።

ቀንዲ ነጥብታት ፀብፃብ እቲ ኮሚቴ

ፀብፃብ እቲ ኮሚቴ ዘቕረቡ ኣይተ በቀለ ገርባ፡ ኣብቲ ፀብፃብ ነዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ነጥብታት ኣልዒሎም።

ኦነግ ድሕሪ ሕዚ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ስለዘይህልዎ፡ እቲ ኮሚቴ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ከምዝተዓወተ ብምግላፅ፡ ኣብ መንጎ ኦነግን መንግስትን ተፈጢሩ ብዝነበረ ዘይምስምማዕ ዝተኣሰሩ ሰባት ንክፍትሑ ሓቲቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኦነግ ብሰላማዊ መንገዲ ፖለቲካዊ ቃልሱ ንምቕፃል ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ፡ ካብ መንግስቲ ድጋፍ ንከይፍለዮን፡ ነዚ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ንዝኣተዉ ኣባላት ሰራዊት ኦነግ ድማ፡ ቃል ዝተኣተወሎም ኩሉ ንክፍፀመሎም፡ እቲ ኮሚቴ ሓቲቱ።