ኣብ ኤርትራ፡ ሓያል ዝናብ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ 2016 ዘጋጠመ ዕልቕልቕ

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2016 ዘጋጠመ ዕልቕልቕ

ለብዘበን ኣብ ኤርትራ ዝምሰገን ዝናብ እኳ ይዘንብ እንተሎ፡ ኣብዛ ተፋሪቓ ዘላ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብ ዝተፈላዩ ከባቢታት ኤርትራ ኣብ ሰብን ንብረትን ሓያል ጒድኣት ስለዘውረደ ዜጋታት ነቶም ኣባይቶም ዝፈረሶምን ጥሪቶም ዝተጎድኦኦምን በብዓቕሞም ይሕግዙ ከምዘለው ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ካልኣይ ሰሙን ነሓሰ ኣብ ኣብ ሓጋዝን ከባቢኣን ዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ቤት ምህርትን ጥሪትን ሓያል ጉድኣት ከም ዘውረደ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጸብጺባ።

እቲ ለይትን መዓልትን ብዘይምቁራጽ ዝዘነበ ዝናብ፡ ኣብ ሰባት፡ ጥሪትን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ነበርቲ ከተማ ሓጋዝ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ገዛውቶም ዝፈረሶም ነበርቲ ድማ፡ ቴንዳን ተንኮባን ገይሮም ግዝያዊ መዕቆቢ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጾም።

መንሱር አሕመድ ዝተባህለ ነባሪ ሓጋዝ፡ ዳርጋ እቲ ዝበዝሐ ብጭቃ ዝተሰርሐ ኣባይቲ ማእከል ከተማ ከምዝፈረሰን፡ ኣካላዊ ጉድኣት ዘጋጠሞም ሰባት ንሕክምና ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱን ብምሕባር "ዋላ እውን ዓቕምና ድሩት እንተኾነ በብንኽእሎ ነቶም ዝተሃስዩን ዝተጎድኡን አሕዋትና ንሕግዝ ኣሎና" ብምባል ብዝያዳ ምምሕዳራት ክድግፈኦም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ከባቢ እምበረሚ እውን 87 ኣባይቲ ብሓደጋ ውሕጅ ከምዝፈረሰን ሰፊሕ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ከም ዝተደምሰን እቲ ዜና ኣረዲኡ።

ኣብ ሓልሓል ብዘዘነበ ዝናብ እውን ኣብ 50 ሄክታር ዝለምዐ ዘራእቲ፡ ጥረታት፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ምድምሳሱን ኣርባዕተ ዚንጎታት መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ከምዝተገንጸለን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሓቢራ።

ኣብ ከተማ ከረንን ከባቢኣን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ብዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ድማ፡ ዒላታት ተደፊነን፡ ሻምብቆታት ማይ ዓንዩ፡ መስመራት ጸዓት እውን ከምዝተሰናኸለን ሕጽረት ቀረብ ዝስተ ማይ ከምዘጋጠመን ነበርታ ሓቢሮም።

ነብያት ዝተባህለት ተቐማጢት እንዳሪባ ከረን፡ "ከምቲ 'ካብ ተረፍ ሓዊ ተረፍ ማይ' ዝበሃል፡ ህይወት ሰብ ጥራሕ እዩ ዘይትካእ እምበር፡ ካብ ነቕጽስ ዝናብ ይሃበና ኢልና ተቐቢልናዮ ኢና" ክትብል ንሕጽረት ዝሰተ ማይ ከም ግዝያዊ ጸገም ከምእትወስዶ ተዛሪባ።