ኢትዮ-ኤርትራ፡ 'ዓውዲ ይበርክት' ኣብ ፅርግያ ዘላምበሳ

ሓረስቶት ክንዲ ዓውዲ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ፅርግያ ዘላምበሳ
መግለጺ ስእሊ, ሓረስቶት ክንዲ ዓውዲ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ፅርግያ ዘላምበሳ

ሓረስቶት ጉሎመኻዳ ፅርግያ ስርሑ ካብ ቦኸረ፡ ኣብ ማእኽል ኣስፋልት ዓውዲ የኽይዱ ኣለዉ። እቲ ፅርግያ ኣሽንኳይ 'ዶ መካይን እግሪ ሰብ እውን ኣይረግፆን ዘሎ።

ንህዝቢ ዘላምበሳን ኣምበሰት ገላባን ካብ ምፍላይ ማይን ፀባን ምፍላይ ይቐልል ይብሉ ለባማት። እቲ ቐደም ቀድምስ'ኳ ኣሕዋት እንትጉራፈጡ፡ ጓሶት ብዓሕ እምባሕ እንትጓየቑ፡ ኩራ ብሕጊ እንዳኣባ ይዝሕል ነበረ።

ዓሚ ባሕቲ መስከረም መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እንትዕረቑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ምእንተ ባዕሉ ክሳብ ዓንቀሩ ዓሊሉ ነይሩ።

ከክንዲ ፀድፊ ዝዀኑ ሓራምዝ ህንክኒ እንትበሃሉ፡ ለምለም ሳዕሪ ይርገፅ፤ለዋህ ህዝቢ ይነብዕ።

20 ዓመታት መመላእታ፡ከበሮን ጭራን ክሰምዕ ከሎ፡ 'መን ኰን እዩ ይብፃሓኻ' ተባሂሉ እንትብል ኣፍልቡ ይድስቕ።

ተፈላልዩ ዝጸንሐ ህዝቢ ብምርኻቡ ሓጎሱ ይገልጽ

ኣውያትን ጥሩንባን እንትሰምዕ ከኣ ምዕጉርቱ ክሳብ ዝጥልቂ ይነብዕ፤ ተዀርምዩ በይኑ ይብፃሕ ነበረ።

ዶብ ዳግም ምስተዓፀወ፡ 'ናብታ ዝነበርናያ ምኹርማይ ኣይንምለስን' ዝበለ ህዝቢ፤ ደረት ዘሊሉ ብወርሒ እንተይኰነ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ይራኸብ'ሎ።

"ገዓት ሓራስ ብሓንሳብ በሊዕና ኢና"

ኣያ ዳኘው መዝገቦ ብኽልቲኡ ገፅ ይውለዱ። ከምዚ ሎሚ ብእግሮም እንተይተትሓዙ ሃርባጥ ጐበዝ እዮም ነይሮም።

ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ዘላምበሳ "ሆቴል መረብ" ዝውንኑ ርሂፀ በላዕ እውን ነይሮም።

ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዝተራፀሙላ ሰሙን፡ ስራሕ ረኺቦም ፅዕንቲ መኪና እናዘወሩ መሬት ኣምሓራ ዲማ ይኣትዉ።

ካብኡ ናብ ገዛኦም ክምለሱ እንትብሉ ኣብ ጎንደር "መርዚ ናብ ፅሩይ ማይ ከእትዉ ዝፈተነ ኣብዚኣ እንሄልኩም" ኢሉ ሓደ ሰብኣይ ጠቀኖም። ሓዞ ብኽሳዱ፡ ኣእሲሮምዎም ቀንዮም፤ ብድሕሪኡ ኣንጠልጢሎም ናብ መሬት ኤርትራ ሰጎጉዎም።

ኣያ ዳኘው "ደሓን ክወግሕ እዩ" ብምባል ነታ ሆቴል መረብ ኣብ ኤርትራ ዓዲ ቀይሕ ከፊቶም፡ ስረሖም ቀፂሎም።

ኣብ ዘላምበሳ ዝነበረ መንበሪ ገዛኦም ምስታ ከተማ ዓነወ። ሆቴሎም ናብ ዓዲግራት ዝተፈናቐለት ጓሎም ኣካረየቶ።

መሬት ከኣ ምእንተ ባዕላ ወገሐት። ኣያ ዳኘው ኣይሞቱን፤ ወዲ 75 ዓመት ኰይኖም ዓሚ ሕዳር ደበኽ ንዛላምበሳ።

"ሆቴል መረብ" ዝተጸሓፈትላ ታፔላ ሰላሳን ትሻዓተን ጠያይቲ ዓሪፉዋ ፀነሐቶም። ተመሊሶም መሬት ፍሒሮም በዓል ሓሙሽተ ደብሪ ህንፃ ክተኽሉ ዕጣቖም ኣስጠሙ።

ኣብ ካልኣይ ደብሪ በፂሖም፤ ይቕፅሉ ኣለዉ። መረብ ሆቴል ዳግም ተኸፊቱ፤ እታ ብሳዕ ታፔላ እውን ንመዘከርታ ክትከውን ተሰቒላ'ላ።

ሆቴል መረብ ኣብ ዘላምበሳ

ኣያ ዳኘው "ገዓት ሓራስ ብሓንሳብ ዝበላዕና ኢና፤ ክልቴና ዝተዋሰብና ህዝብታት ክንፈላለ ኣይከኣልን" ይብሉ። "ኣነ ህንፀት ምስጀመርኩ ኩላ ትሰርሕ ኣላ፤ ተመልከት ኪድ ተዛዊርካ ረኣዮ ከተማ ይዓብድ'ሎ፤ ከመይ ኢሉ ይሰፍሕ ከምዘሎ ርኢኻ መስክር" ኢሎምኒ።

እማኖም፤ ዘላምበሳ ፈለኽ ትብል'ላ። ህዝቢ ሕዚ'ውን ተስፋ ኣይቀበፀን፤ ኣፍደገ ፅባሕ ክግሕጋሕ እዩ ብዝብል እምነት ርሻናት ይሃንፅ'ሎ።

ዕዳጋ ቀዳም ኣብ ዘላምበሳ

ወጋሕታ ቀዳም ህዝቢ ናብ ዕዳጋ ጃርጃር እንትብል ይረአ። ካብ መሬት ኤርትራ ሰርሓን ከባቢኣን ትኽ ኢሉ ብፅርግያ ዝኣቱ ዝነበረ ህዝቢ ዳግም ምስተዓፀወ መገዲ ቀይሩ እምበር ደው ኣይበለን።

ብኣምበሰት ገለባ ተር ኢሉ ናብ ዕዳጋ ዘላምበሳ ይኣቱ።

እግሩ ምስ ኣተወ፡ ብር ብናቕፋ ዘሽርፉ ሰባት ይቕበልዎ። ኣቶ ገብረመስቀል ኣቕራሽ ኢትዮጵያ ኣብ ፀጋማይ ኢዱ ዓቲሩ፤ ሸርፊ ንዝደልዩ ኣቦይ ቀሺ ብናቕፋ እንትቕይር ረኸብክዎ።

ሓደ ሚኢቲ ናቕፋ ተቐቢሉ ክልተ ምኢትን ሰላሳን ቅርሺ ኢትዮጵያ ይህብ። ናቕፋ ምስ ኣከበ ድማ ተመሊሱ፡ ንሓደ ሚኢቲ ናቕፋ ብኽልተ ምኢትን ሰላሳን ሓሙሽተን ብር ይሸይጥ።

ኣብ ሃይሃይታ ዕዳጋ ዘላምበሳ ካብ ሽጉርቲ ክሳብ ኣቑሑት ናውቲ ገዛ ይሽየጥ። ዓደግቲ ኤርትራውያን ሸየጥቲ ኢትዮጵያውያን። ንሰላም ዝስዕር ሓይሊ የለን፤ ንፍቕሪ ህዝቢ ዝፍንፅሕ ተኣምር ኣይኽሰትን።

ኣብ ጎልጐል ፀሓይ እንተተጠጠቐ እውን ጣጥኡ ገይሩ ዓዲ ዓዱ ይኣቱ።

ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዕዳጋ ቀዳም ዘላምበሳ

ኣብ ዘላምበሳ ሓንቲ ጣብያ ጥዕና እያ ዘላ። ንሳ ንኽልቲኦም ህዝብታት እቲ ከባቢ ተገልግል። ሳምራዊት ብርሃነ በዓልቲ ሞያ ጥዕና'ያ።

ኤርትራውያን ብበዝሒ መፂኦም ግልጋሎት ሕክምና ከምዝረኽቡ ትገልፅ። ክፍሊት ሕክምና ንኽልቲኦም ህዝብታት ማዕረ እዩ።

ኤርትራውያን ዝመፅእሉ ምኽንያት ስለዝቐርቦም እዩ። ብፍላይ ሰኑይን ዓርብን ቁፅሪ ተገልገልቲ ይውስኽ። ግዳስ እቲ ጣብያ ጥዕና ቆላሕታ ከምዘድልዮ ደቂ ዘላምበሳ ይምሕፀኑ።

ላቦራቶሪ (ቤተ ምርመራ) እኳስ የብሉን። ህዝቢ ምርመራ ደም ከስርሕ ናብ ፋፂ 17 ኪሎሜትሮ ከምዝጓዓዝ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ከምዝዀነ ብምግላፅ ቅልጡፍ ፍታሕ ንኽወሃብ ይትስፈዉ።

እቲ ህዝቢ ሕዚ'ውን ፈሊኻ ክፍለ ኣይከኣልን። እቲ ዶብ ብፅባሕ ሎሚ ክኽፈት እዩ ኢሉ ኣይተፀበየን።

ኣብ ዓርሞ ግራቶም ጥሪት ዘዳርቱ ዝነበሩ ኤርትራዊ ወላዲ፡ "ደጊም ናብታ ዝነበረታ ኣይትምለስን" ኢሎምኒ።

ተፃዊዕኻ ኣብ ዘሳምዕ ኣብ ገለባ እናነበሩ፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ፅርግያ ዝርከብ ግራቶም እኳስ ተወር ኢሎም ኣይፈልጡን። ሎሚ ጓሶት ብሓንሳብ እናተዓለቑ ጥሪቶም የማዕድዉ ኣለዉ።

ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ዳስ ሓዘንን መርዓን ይራኸብ'ሎ።

ሚካኤል ሕዳር ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብ ገለባ ዓመቱ እዩ። ህዝቢ ዘላምበሳ ናብ ንግደት ክኸይድ ተዓጢቑ'ሎ። ወላ እኳ መንግስታት ነቲ ዶብ መልክዕ ኣትሒዞም ዳግም ኣብ ምኽፋት እንተደንጐዩ፡ ህዝቢ ግን ቀዲሙ ይኸይድ'ሎ።

ፅርግያ ዘላምበሳ እውን ዳግም ኣውቶቡስ ዝሕምበባሉ ኰይኑ ንምርኣይ ብዙሓት ይትስፈዉ።