ፈለስቲ ሓሺሽ ብምልማዶም ጥርሑ ዝተረፈ ገዳም

ፈለስቲ እምነት ቡድሃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ሓደ ንእሽተይ ገዳም ተኸተልቲ እምነት ቡድሃ፡ እቶም ፈለስቲ መርመራ ሓሺሽ ምስ ተገበረሎም፡ ሓሺሽ ከምዝወስዱ ስለዝተረጋገጸ፡ እቲ ገዳም ጥርሑ ከምዝተረፈ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዞባ ፔታቹቡን ዝርከብ ገዳም፡ ኣበገዳም ዝርከቦም ኣርባዕተ ፈለስቲ መርመራ ምስ ተገበረሎም ኣብ ደሞም ሜታፎታሚን ዝበሃል ዓይነት ሓሺሽ ከምዝተረኸቦም ሰብ መዚ እቲ ዞባ ንኤኤፍፒ ሓቢሮም።

እቶም ፈለስቲ ካብቲ ወልፊ ንኽገላገሉ ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽግበረሎም ናብ ፍሉይ ሕክምና ተወሲዶም ከምዘለዉ’ውን ተገሊጹ።

መንግስቲ ታይላንድ፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ንምቍጽጻር ተፍትሽን መርመራን ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ እቶም ፈለስቲ ጉዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቶም ፈለስቲ፡ ካብቲ ገዳም ጠቕሊሎም ከምዝተሰጐጕ’ኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ገዳምን እቶም ፈለስትን ብምንታይ ምኽንያት ኣተኵሮ ፖሊስ ከምዝሰሓቡ ግን እቶም ሰብ መዚ ኣይገለጹን።

ቡንለርት ቲንታፒታይ ዝተበሃለ በዓል መዚ እቲ ዞባ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሕጂ እቲ ገዳም ብዘይ ፈለስቲ ጥራዩ’ዩ ዘሎ፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ እቲ ገዳም ዝርከቡ ነበርቲ’ውን ናብቲ ገዳም ከይዶም ዝዀነ እምነታዊ ንጥፈታት ከካይዱ ከምዘይክእሉ ተሓቢርዎም ኣሎ” ኢሉ።

ኣብ እምነት ቡድሃ፡ ተኸተልቲ እቲ እምነት ንፈለስቲ መግቢ ብምሃብ ንነብሶም ዝከላኸለሎም ሓይሊ ከምዝረኽቡ ዓቢ እምነት’ዩ ዘለዎም።

ቡንለርት ቲንታፒታይ፡ እምነት ናይቶም ተኸተልቲ እቲ ሃይማኖት ንምኽባር፡ ሰብ መዚ እቲ ዞባ ናብ ላዕለዋይ ሓላፊ ገዳማት ብምሕባር፡ መተካእታ እቶም ካብቲ ገዳም ዝተኣለዩ ፈለስቲ ካልኦት ፈለስቲ ናብቲ ገዳም ክምጽኡ ምዃኖም ቃል ከምዝተኣተወሎም ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ኣብ ታይላንድ ዝርገሐ ሜታፎታሚን ዝተበሃለ ዓይነት ሓሸሽ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ምብጽሑ’ዩ ዝግለጽ።

ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ዕጸ-ፋርስን ገበናትን ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2021 ዝበዝሐ ሜታፎታሚን ከምዝተረኸበ ይገልጽ።

እታ ሃገር ዝበዝሐ ሜታፎታሚን ዝሰጋገረላ ሃገር ከምዝዀነት’ውን መዛግብቲ ይሕብሩ።

ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ሜታፎታሚን እተፍሪ ሃገር ምያንማር ኰይና፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝፈሪ ሓሽሽ ብታይላንድ ኣቢሉ ብሕቡእ ናብ ካልእ ሃገራት ከምዝከፋፈል ይሕበር።

እቲ ብመልክዕ ከኒና ዝዳሎ ሓሺሽ ኣብ ጐደናታት ታይላንድ ንሓንቲ ብሕሳብ 50 ባህት [1.40 ዶላር] ከምዝሽየጥ ፖሊስ እታ ሃገር ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ሓላፊ ፖሊስ ብሰንኪ ተጠቓምነት ሓሺሽ ሜታፎታሚን ካብ ስራሕ ምስ ተሰጎገ፡ ናብ መውዓሊ ህጻናት ኣድራጋ ጠያይት ብምትኳስ 37 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፑርያዝ ቻን ኦቻ ጉዳይ ዕጸ-ፋርስ ብጽኑዕ ክትሓዝ ምእዛዙ ይዝከር።