ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክምልሶም ትጽቢት ዝግበረሉ ቀንዲ ዘቤታዊ ጉዳያት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, Shabait.com

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኣስታት ሓደ ዓመት ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃለ መሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ሰንበት ምሸት 12 ለካቲት ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ኢዱ ዝጸንበረሉ ኲናት ትግራይን ዓለማዊ ጉዳያትን ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት እታ ሃገር እንታይ ኮን ይብል ይኸውን ብማለት ትጽቢት ገይሮም'ኳ እንተነበሩ፡ ብምሉኡ እቲ ትሕዝቶ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን፡ ምትእትታው ኣመሪካን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ዝተሓጸረ እዩ ነይሩ።

እቲ ፕረደዚንት ብ18 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት’ውን፡ ንጂኦ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ዞባ ተፋሰስ ናይል ዝምልከት እዩ ተዛሪቡ።

ሃገሩ ኣብቲ “ጎደቦ” ክብል ዝገለጾ፡ ጎረቤት ሃገር ንዘለዋ ፖሊሲን ዝምድናታትን’ውን ኣብሪሁ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ቀዳምነት ኣይህቦምን’ ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ዝግበር ክልተ ክፋላት ቃለ መሕትት ንዘቤታዊ ጉዳያት ዝምልከት ከምዝኸውን’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ስለዝኾነ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን ለውጢዶ ይገብር ይኸውን ክብል መልሲ ንዝደልየሉ ሕቶታት መልሲ ንክረክብ ይጽበ ከምዘሎ ይእመን።

ለውጥታት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲታት

ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ

ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንህሉው ቁጠባዊ ኩነታት እታ ሃገር ክገልጾ እንከሎ፡ "ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ'ዩ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ'ዩ 'ምበር ናይ ብሓቂ ቁጠባ ኣለና ኢልና'ውን ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ብሪጣንያዊ ዩኒቨርሲቲ ኣንግልያ ራስኪን ክኢላን ተመራማርን ትምህርትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝኾነ ኤርትራዊ ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ነቲ እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ዝኣመነሉ ድኹም ቁጠባ ንምድንፋዕ ንጹር ፖሊሲን ውጥንን ክህሉ ኣለዎ።

“ኤርትራውያን፡ ብማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ብፍላይ ድማ ልዑል ናህሪ ዋጋታትን ክራይ ኣባይትን” ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጸገማት ክሳቐዩ ምጽንሖም’ዩ ዶ/ር ሳምሶን ዝጠቅስ።

“ስለዚ፡ ኤርትራውያን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነዞም ጉዳያት እዚኦም ንምፍታሕ ብግዜ ዝዕቀን ንጹር ውጥን ክዛረብ’ዮም ዝደልዩዎ” ይብል።

ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግን፡ በቲ ዓመት መጽአ ዝወሃብ ግን ከኣ ዘይትግበር መብጽዓታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝሰልከዩ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ዝቕጽል ዘሎን፡ ክኢላ ዓለምለኻዊ ርክባትን ዝኾነ ኤርትራዊ ተ ተስፋኣለም ሃብተ ሓደ ካብኦም ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ዝህቦ ትንታነ ንውሽጣዊ ፍሽለቱ ንምኽዋል ከምዝጥቀመሎም ብምጥቃስ፡ ካብቲ ቃለ መሕትት ሓድሽ ነገር ከምዘይጽበ ይገልጽ።

“ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝተማሃርናዮ እንተሎ፡ ቀንዲ ጠንቅታት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብልሽውን ውዱቕን ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ፖሊስታት፡ ናይ ደገ ተጻብኦታትን ሸርሕታትን ከምዝኾነ ኣምሲልካ ንህዝቢ ምትላል`ዩ። እዚ ድማ ካብ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ንኽሃድሙ ምኽንያት ኮይንዎም`ዩ” ይብል።

ኣብቲ ንዘቤታዊ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክትግበር ትጽቢት ዝግበሉ ዘሎ ቃለ መሕትት ከኣ ተግባራውነቱን ተጨባጥነቱን ዘይርደኣካ ሓድሽ ዝመስል ግን ከኣ ዘላደየና ናይ ፖሊሲ መብጽዓታት ጥራሕ እምበር ዝኾነ ሓዲሽ ነገር ክሰምዕ ከምዘይጽበን ከምዘይህሉን ይግምት።

“መራሕቲ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝግበርዎ ርክብ፡ ነዚ ንምዕዋት ዘለዎም ናይ ፖሊሲ መርሓ-ጎደና (roadmap) እዮም ክገልጹ ዘለዎም። ከም ዝኾነ ህብዚ ድማ ንሕና ብዛዕባ`ዞም ፖሊሲታት ክንሰምዕ ምተገብአ” ከኣ ይብል ተስፋኣለም።

ወላ’ኳ ኤርትራ፡ ብጸጋታት ማዕድንን ዓሳን ሃብታም እንተኾነት፡ ክሳብ ሎሚ ህዝባ ኣብ ድኽነት እዩ ዝርከብ።

ተስፋኣለም የማነ
መግለጺ ስእሊ, ተስፋኣለም የማነ

ኣብታ ሃገር ብዘይካ ኣብ ዕደና ዘሎ ብቻይናውያን ኩባንያታት ዝተባሕተ ወፍሪ፡ ኣብ ናኣሽቱን ማእከሎትን ንጥፈታት ዝካየድ ውሽጣዊ ወፍሪ ዜጋታት ብሰንኪ ኣሉታዊ ፖሊሲታት መንግስቲ እናተዳኸመ ክኸይድ ምጽንሑ ይግለጽ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብዙሓት ኤርትራውያን ነጋዶ፡ ካብታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ከም ብዓል ደቡብ ሱዳን፣ ዩጋንዳ፣ ኣንጎላ፣ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ሃገራት ርእሰ ማሎም ኣዋፊሮም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ቁጠባ ኤርትራ በቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንስድራ ቤቶም ንምሕጋዝ ብዝሰዱዎ ገንዘብ (‘ረሚታንስ)’ እዩ ዝድገፍ ዘሎ።

ካብቶም ቀንዲ ሓለኽቲ ዝኾኑ ረቛሒታት፡ ስሩዕ ባጀታዊ ስርዓትን ፊስካላዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ዘይምህላውን፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ውትህድርና ተጸሚዱ ብዓይኒ ቁጠባ ዓዲ-ውዒል ኮይኑ ብምህላዉን ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ቁጠባ ዝገልጹ።

ኤርትራ ንውትህድርናን ጸጥታን እተውጽኦ ዓቢ ባጀት’ውን ተወሳኺ ጸቕጢ ከምዝገብረላ እዩ ዝንገር።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣውፈርቲ ረጊኦም ርእሰ ማሎም ዘፍስስሉ ንጹርን ውሕስነት ዘለዎን ፖሊሲ ብዘይምህላዉ፡ ገንዘብ ዜጋታታ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሃድም ምግባሩ እውን ይንገር እዩ።

ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን፡ ጠንቂ ቁጠባዊ ቅልውላው ኤርትራ ካብቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝምንጩ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ዝብልዎ “ተጻብኦታት” ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

ፕረደዚንት ኢሳይያስ ዞባዊ ምርግጋእ ይመጽእ ከምዘሎ ኣሚቱ ብምህላዉ፡ ካብ ሎሚ ንድሓር ኣተኲሮ መንግስቱ፡ ሃብቲ ሃገር፡ መነባብሮ ህዝቢ ናብ ምምሕያሽ ክቐንዕን ምዕሩይ ምቕረሐ ጸጋታትን ግሉጽነትን ክተኣታቶን ትጽቢት ይግበረሉ።

ሓደ ካብቶም ብዘይርዱእ ምኽንያታት ደስኪሎም ዝጸንሑ ቀንዲ ዓንዲ ጽላታት ቁጠባ ዝኾኑ ህንጻዊ ንጥፈታት ክበራበር ብዙሓት ኤርትራውያን ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለው። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ንጉዳይ ምዕዳል ይኹን መሸጣ መሬት ኣባይቲ ሓድሽ ነገር ክሰምዑ ዝደልዩ’ውን ውሑዳት ከምዘይኮኑ ተስፋኣለም ይገልጽ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ እትሕሰም ዓመታት ዘቑጸረት ኤርትራ፡ ብድኽነት ንዝሳቐ ህዝባ ንምዕንጋል፡ ንሰራሕተኛታትን ኣባላት ሰራዊት ደሞዝ ክትውስኽን፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ክትፈጥርን ትጽቢት ብዙሓት ዜጋታታ’ዩ።

ምምሕያሽ መሰረታዊ ኣገልግሎታት

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህጹጽን እዋናውን ፍታሓት ክናደየሎም ዘለዎ ሓያሎ ማሕበራውን ትሕተ ቅርጻውን ኣገልግሎታት’ውን ኣለዉ ይብሉ እቶም ንቢቢሲ ርእይተኦም ዝሃቡ ሰባት።

ሓደ ካብኦም፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ዘይተፈትሐ ቅልውላው ጸዓት’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ዓመት መጽአ ዝኣተዎም መብጽዓታት ምብራኽን ምስፋሕን ምንጪ ጸዓት ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበሩን። እዚ ድማ ንመዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ንቁጠባዊ ልምዓት እታ ሃገር ዝሓለኸ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኣመነሉ ጉዳይ’ዩ።

ኣብ ከተማታት ዝርአ ሕዱር ጸገማት ሕጽረት ዝስተ ማይ’ውን ካልእ ክፍታሕ ዘለዎ ዓቢ ብድሆ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ፕረዚደንት ብቐረባ ካብ ዘተግበሮም መደባት ልምዓት ምህናጽ ዲጋታትን ሓጽብታትን’ዩ። ገለ ካብኦም ኣብ ዙርያ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተሃንጹ’ኳ እንተኾኑ፡ እታ ከተማ ብሕጽረት ማይ ትሳቐ ከምዘላ ይፍለጥ።

መንእሰያት ኤርትራ፡ ብዘይካ’ቲ ካብቲ መንድዓት ዝኾኖም ውትህድርና ክናገፉ ዘለዎም ናፍቖት ፡ ‘ሲም ካርድ’ ተንቀሳቓሲ ቴለፎን (ሞባይል) ክወሃቦም፡ ቅልጡፍ ናይ ‘ዳታ’ ኢንተርነት ኣገልግሎት ክፍቀደሎምን ሓደ ካብቲ ዝብህግዎ ነገራት’ዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ እወታዊ ምላሽ ይህቦም’ዶ ይኸውን?

ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ’ውን፡ ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 እናተዳኸመ ከምዝኸደ ጸብጻበት ይገልጹ። ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን መቀያየሪ ኣቕሑን ሓያሎ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ኮነ ሚኒባሳት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝጸንሓ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከማርሩ ይስምዑ።

ብፍላይ ግን እገዳታት ኮቪድ ድሕሪ ምፍኳሱ፡ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ጌና ንኸይንቀሳቐሳ ተኸልኪለን ስለዝርከባ፡ ወነንቲ እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ብዋሕዲ ዓቕሚ ሰብን መሳርሒታትን ክሳቐ ዝጸንሐ ስርዓተ-ጥዕና ኤርትራ’ውን፡ እቲ ካልእ ዓቢ ኣድህቦን ገንዘባዊ ደገፋትን ዝጽበ ማሕበራዊ ኣገልግሎት’ዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክውሕዙን ልዑል ወጻኢ ክገብሩን ይግደዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብሰንኪ ምኽታት መምሃራን፡ ትሑት ደሞዝን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን (መወዳእታ ዓመት)፡ ከምኡ’ውን ስእነት ኣቓልቦን ደረጃ ትምህርቲ እናንቆልቆለ ክኸይድ ምጽንሑ ክኢላታት ይገልጹ።

ተስፋኣለም የማነ ከምዝብሎ “እቲ ቀንዲ ተልእኾ ናይ ዝኾነ መራሒ (መንግስቲ)፡ ንዜጋታቱ ከም ጸጥታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ጥዕናዊ፡ ትምህርታዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ዝኣመሰለ ህዝባዊ ኣገልግሎታት (public goods) ምቕራብ`ዩ።”

“ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ስርዓት ካልእ ሓደስቲ ምኽንያታት እናሃነጸ ኮለል ከብለና ክነብር ከነፍቅድ የብልናን። ሎሚ ብዛዕባ ምጥያስ፡ ቁጠባዊ ዳግመ-ሕውየት፡ ምህናጽ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጽታት ኢና ክዛረቡ ንጽበዮ `ምበር ኣብ ካልእ ሸንኮለል ከእትዉና ኣይግባእን” ይብል።

ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ’ውን ብወገኑ፡ እቲ ፕረዚደንት “ንማሕበራዊ ብድሆታት ኤርትራውያን ክጠቕሶም ይኽእል’ዩ፡ ግና ንፖለቲካዊ ሃልኪ” ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።

ፖለቲካዊ ለውጥታት

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ምርጫ ኤርትራ ነበር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ምርጫ ኤርትራ ነበር

ካብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ “ተጻቦታት” ዝተወንዘፉ ቀንዲ ኣጀንታታት ኤርትራ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ 2014 ብዛዕባ’ቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ” ክብል ብምግላጽ፡ ሓድሽ ቅዋም ክንደፍ ከምዝጀመረ ተዛሪቡ ነይሩ።

ነቲ ናይ ምንዳፍ መስርሕ “ክዓምም ዝቖመ ሓደ ኣካል ኣሎ። ተኣዊጁን ኣይተኣወጀን ካልእ ኣርእስቲ እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ዋና ነገር እቲ ስራሕ እዩ። ብዙሕ ዓው-ዓው ኢልካ ንሃልኪ ወይ ከኣ ን”ፒኣር” (ንህዝባዊ ርክባት) ዝዝረበሉ ኣርእስቲ ኣይኰነን።

“ክውንነትና ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦ ዓው-ዓው ከይበልና ኢና እንሰርሕ። ከም’ቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነት [2014] ዝገለጽኩዎ ከኣ ንዕኡ ዝቖመ ኣካል ኣሎ” ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተመባጺዑ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ መብጻዓ እዚ’ውን ከይተተግበረ ሞይቱ’ዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ስልጣን ከረክብ ቅሩብ እንተኾይኑ ሕቶ ምስ ቀረበሉ “ኣብ ግዚኡ ጥዑይ ሕቶ ሕተቱ” ክብል ዝሃቦ መልሲ ዝእምቶ እንተልዩ፡ እቲ ፕረዚደንት ንለውጢ ቅሩብ ዘይምዃኑ’ዩ።

ዶ/ር ሳምሶን ከምዝብሎ “ቅዋም ዘይምህላው፡ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ’ውን፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ምርጫታት፡ ናጻ ፕረስ፡ ስደትን ምጥያስ ወተሃደራትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ንኤርትራውያን ኣገደስቲ’ዮም።

“እንተኾነ ግን፡ ካብተን ዝገበረን ክልተ ቃለ መሕትታት ብምብጋስ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ክንዲ ንመነባብሮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ምምሕያሽ፡ ንዞባዊን ዓለምለኻውን ጉዳያት ቀዳምነት ይህቦ ስለዘሎ፡ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሓቂ ነዞም ጉዳያት ንምፍታሕ ክጽዕር’ዩ ዝብል እምነት የብለይን” ይብል።

ምስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር’ውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ንዓመታት ተቐይዶም ዝተሰወሩ ናይ ሕልና እሱራት፡ እንተወሓደ ብምሕረት ክፈትሕ ብዙሓት ስድራ ቤታት ሃንቀው ዝብልዎ’ዩ።

ምጥያስ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት

ኣባላት ሃገራዊ ኣግልግሎት

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GEBREMESEKEL

እቲ ክጅመር እንከሎ ን18 ኣዋርሕ ጥራሕ ዝተኣወጀ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ 1998 – 2000 ዘጋጠመ ኩናት ዶባት ንደሓር ክሳብ ሕጂ ብዘይ ገደብ ይቕጽል ኣሎ።

ሰብ መዚ ኤርትራ፡ እቲ ኩነታት ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ብዶባዊ ኲናት ዝፈለመን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝቐጸለን ኩነተ-ኲናት ዝሰዓበ ምዃኑ’ዮም ዝምጉቱ ነይሮም።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ሓምለ 2018 ክልቲኤን ሃገራት “ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን” ምስተፈራረማ እውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለስ ዝነበረ ተስፋ ማህሚኑ’ዩ ተሪፉ።

ብኣንጻሩ፡ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኢዳ ብምእታዋ ብውትህድርና ዝላደዩ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያትን ኣቦታትን ከይተረፈ ናብ ዓውደ-ውግእ ክኣትዉ ተገዲዶም። ብዙሓት ካብኦም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብምፍርራሕን ምዕሻግ ኣባይቲን ዝተሰነየ ብግፋ፡ ማእሰርትን ምስርጣይን ዝተወስዱ’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን “ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት” ድሕሪ ምፍራሙ ኣብ ትግራይ ኲናት ደው ኢሉ፡ ንቡር ሰላማዊ መነባብሮን ክምለስ ጀሚሩ’ሎ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ዕጥቆም ከረክቡ ምስ ጀመሩ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ወጺኡ ከምዘሎ እኳ እንተተነግረ ሓደ ሓደ ሰበስልጣን ትግራይ ግን ምሉእ ብምሉኡ ጠቕሊሉ ኣይወጽአን ክብሉ ይኸሱ።

ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ግህሰት ከምዝፈጸመ ይኸሰኦ እየን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ዝተማህዘ ጸለመ እዩ ክብል ነጺጉዎ።

ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ እቲ ኲናት ብስዕረት ናይቲ ከም ጸላኢ ዝርየኦ ህወሓት ተዛዚሙ ከምዘሎ ድሕሪ ምቅለሐን ነቲ ዜና ዝሰምዑ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣብ ሃገሮም ዘመነ ሰላምን ምትእኽኻብን ክምለስ ባህጊ ኣለዎም።

ነዚ ዝምነይዎ ብስራት ካብ ኣፍ መራሒኦም ክሰምዑ ድማ ይጽበዩ ኣለዉ።

ተስፋኣለም ሃብተ፡ “ብፍላይ ሎሚ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ብዝተሓሓዝ ን25 ዓመታት ዝተጠቕሙሉ ምኽንያት ባይታ የብሉን” ክብል ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ለውጥታት ክግበር ከምዘለዎ ይዛረብ።

ምድባስ ስድራ ቤታት ኣብ ኲናት ዝሞቱን ዝሰንከሉን ወተሃደራት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትቱ ብዛዕባ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ከምዝሞቱ ብምግላጽ “እቲ ወሪዱ ዘሎ ክሳራ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ምስ ካልእ ፍጻመ ወይ ከባቢ ከተወዳድሮ ትኽእል ኣይኮነን” ኢሉ ነይሩ።

“ምኽንያቱ፡ ኣሃዛት ኣሎና ኢልና ኣይንዛረብን፣ ግን ኣብቲ ኲናት ዝጠፍአ ሰብ ብ10 ሽሕ ሓሙሽተ ሽሕ ኢልካ ዝግመት ኣይኮነን። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር እዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ክሳራ ሎሚ ማዕለሽ ግዚኡ ኣይኮነን። ግን ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ተሓታትነቱ ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ”። ኢሉ ነይሩ።

ኣብቲ ኲናት ኤርትራውያን ወተሃደራት ከምዝተቐትሉ’ኳ ዝግለጽ እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ዝወረዶም ክሳራ ኣብ ኬንያ ብጋዜጠኛታት ወጻኢ ምሰተሓተተ፡ መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ይዝከር።

ዶ/ር ሳምሶን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ምስታፍ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ንኤርትራውያን ከምዝጸለዎም ይገልጽ።

“ብዙሓት [ኣብቲ ኲናት] ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ፍሉጥ’ዩ። ስለዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንስድራ ስዉኣት ንምድጋፍ እንታይ ውጥን ከምዘለዎ ኤርትራውያን ክሰምዑ ይደልዩ እዮም” ከኣ ይብል።